ጎነጽ ኣብ እንዳ ጎረባብቲ?
ትብዓት ኣርእዩ፣ ርኣዩ! እስኹም ክትፍጽሙ ትኽእሉ።
Tür an Tür (ገዛ ገዛ)። ብሓባር ኣንጻር ዘቤታዊ ጎነጽ ኣብ እንዳ ጎረባብቲ።
ጎነጽ ኣብ እንዳ ጎረባብቲ፧
ኣብ እንዳ ጎረቤትኩም ጎነጽ ኣሎ ኢልኩም ትጥርጥሩ ኢኹም፧ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ፣ ካብ ክፍሊት ነጻን ምስጢራዊን ምኽሪ ርኸቡ። Fachstelle Häusliche Gewalt (ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ዘቤታዊ ጎነጽ ከተማ በርን)፥ +41 31 321 63 02።
ምስ ተርጎምቲ እውን ብሓባር ንሰርሕ ኢና።
ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብዝሕ ኣቢልኩም ፍለጡ ከምኡ ድማ እስኹም ኣንጻር ዘቤታዊ ጎነጽ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ፍለጡ። ኣብ በርን ምስ ዘለዉ ኣዕሩኽኩም መሓዙትኩም ጎረባብትኹም ወይ ድማ መሳርሕትኹም ብሓባር ኲንኩም ኣብ መጽናዕቲ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽ ተሳተፉ። ሓበሬታ ርኸቡ: ዓውደ መጽናዕቲ።